ሓጺር ታሪኽ ህይወት ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ
(ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ዝተነበበ – 01 ለካቲት 2024)
“ዝተጻሕፈ ታሪኽ – ድሕሪ ፈጸምቱ ንዘልኣለም ይነብር፣ ፈጸምቱ ከኣ ኣብ ትሕቲ ባይታ ተደብዮም እንከለው፡ ንዘልኣለም ክዝከሩ ይነብሩ” ዝብል ወግዒ ስነ-ጥበበኛታት ብምስትውዓል፡ ስዉእ ሓርበኛ ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ፡ ቅድሚ ምስዋኡ ምስ ጊዜ ብምቅድዳም፡ “ጉዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ” ኢሉ ኣብ 504 ገጻት፡ ሰውራ ኤርትራ በብእዋኑ ዝሰገሮም መድረኻት ቃልሲ እተብርህ – ብውሕልነት ዝጸሓፋ መጽሓፍ መዘከርታ ኣበርኪቱልና ሓሊፉ – ሎሚ ንፋነዎ ኣሎና። እዚ ክቡር ብጻይ፡ ኣብ መፋርቕ 1970፡ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ ብምሉእ ዓቕሙን ብልሑን ንሃገሩን ህዝቡን ብምውፋይ፡ ንዓወት ሓርነታዊ ቃልስን ህንጸት ሃገርን ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገበረ – ብኣርኣያነት ዝጥቀስ፡ ምኩር ወተሃደር፡ ልዑል ናይ ምዝካር ዓቕሚ ዝውንን፡ በሊሕ ዲፕሎማሰኛ፡ ደራስን ተራኽን ዝኾነ ጅግና፡ ሃገርና ብኣበርክቶኦም ካብ እትሕበነሎም ፍቱዋትን ጽኑዓትን ሓርበኛታት ተቓለስቲ ብምዃኑ፡ ታሪኹን ኣበርክቶኡን እናዘከርና ብኽብሪ ንሰናበቶ ኣሎና።
ብ23 ጥቅምቲ 1946 ዓ.ም.፡ ካብ ኣቦኡ ሰይድ ጣህር ዑመር ባዱሪን ኣዲኡ ሰይዳ ዛህራ ዑስማን መሓመድን፡ ኣብ ሕርጊጎ ንኡስ ዞባ ባጽዕ ዝተወልደ ብጻይ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ሕርጊጎ፡ ካምቦኒ ኣስመራ፡ ኣልኢልሃም ካይሮ (ግብጺ)፡ ዩኒቨርሲቲ ሓለብ ኣብ ሶርያ ትምህርቱ ብምክትታል፡ ካብ መባእታ ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ ተማሂሩ። ኣፍልጦኡ ዝያዳ ንምዕባይ ከኣ፡ ኣብ 1996 ኣብ open university London ምልከት ቋንቋ እንግሊዝ፡ ኣብ Osaka Japan ድማ፡ ብሕጊ ወፍሪ (Investment) ሰልጢኑ። ስዉእ ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ፡ ካብ 1968 ኣትሒዙ ኣብ ግብጽን ሶርያን እንከሎ ገድላዊ ዕማም ንምፍጻም ድሉው ብምንባሩ፡ ኣብ 1969 ኣብ ሶርያ ብናይ ኮማንዶ ወተሃደራዊ ስልጠና ሰልጢኑ እዩ ተሰሊፉ። ኣብ 1971 ከኣ፡ ኣብ ቀዳማይ ሓይሊ ህዝባዊ ሓይሊታት – ኮሚሽነር ሓይሊ ኮይኑ ካብ ዝተመደበሉ ጊዜ፡ ኣብ ዓውደ-ውግኣት ኣንጻር ጸላእን ተሓኤን – ኣብ ሰባርጉማ፡ ሂካኖ፡ ማይኡለ፡ ገርሲለ፡ ዒን፡ ሽግለት፡ ደምቦቤት፡ ዓየት፡ ዒላበርዒድን ማዕሚደን ብልዑል ወኒ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን። ብድሕሪ’ዚ፡ ኣብ ላዕለዎት ጽፍሒታት ሓላፍነት ተመዲቡ፦ – ካብ 1973 ክሳብ 1974 ወኪል ውድብ ህዝባዊ ሓይሊታት ኣብ ዓደን (ደቡብ የመን)፡ – ካብ 1975 ክሳብ 1976 ምክትል ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ህዝባዊ ሓይሊታት ኣብ ኩወይት፡ – ካብ 1977 ክሳብ 1984 ማእከልነት ዜና ኣብ ሜዳ፡ – ኣብ 1977 ኣብ መንጎ ህ.ግ.ሓ.ኤን ተ.ሓ.ኤን ብመንጎኝነት ሱዳን፡ ብ‘ስምምዕ 20 ጥቅምቲ’ ዝፍለጥ ስምምዕ ኣብ ፈነወ ሬድዮ ኡምዱሩማን፡ ኣብ በይሩትን ፈረንሳን ብቋንቋታት ዓረብን እንግሊዝን ኣብ ምድላው መጽሔት Eritrean Information፡ – ካብ 1985 ክሳብ 1986 ሓላፊ ቤትጽሕፈት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ ሱዳን፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኮይኑ ድማ ፦ – ካብ 1987 ክሳብ 1991 ኣባል ሰክረታርያ ክፍሊ ወጻኢ ዝምድናታት ኣብ ሜዳ፡ – ካብ 1992 ክሳብ 1993 ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኮይኑ ድማ፦ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና፡ ሚኒስትሪ ንግድን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ተሓጋጋዚ ሚኒስተራት፡ ኮሚሽነር ማእከል ወፍሪ ኤርትራ፡ ቀዋሚ ልኡኽ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን (ኒው ዮርክ) ኮይኑ ብተወፋይነት ሃገሩን ህዝቡን ኣገልጊሉ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብ ቅድምን ድሕርን ናጽነት፡ ስዉእ ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ፡ ኣሜሪካ፡ ፈረንሳ፡ ኣንግሊዝ፡ ጣልያን፡ ጀርመን፡ ኖርወይ፡ ሽወደንን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ዝተኻየዱ ኣኼባታትን ርክባትን ብምስታፍ፡ ንሃገሩን ህዝቡን ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ኣብ ምዝታይ ዝተሳተፈ ብጻይ እዩ።
እዚ ክቡር ዜጋ፡ ልዑል ምልከት ቋንቋ ዓረብ ዝውንን ብምንባሩ፡ ኣብ’ዛ ብውሕሉል ዋሕዚ ትረኻ ብቋንቋ ዓረብ ጽሒፉ ብትግርኛ ዝተርጐማ መጽሓፉ፡ ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ንምውሓስ ዘካየዶ ዘስደምም ገድሊ ንምንጽብራቕ፡ ዝተሰግሩ መስገደላትን ዝተጨበጡ ዓወታትን ብመልክዕ ስእሊ ከምዝረእዩና ብምግባር ጽሒፉ – ነዛ መጽሓፍ፦ – ንቀዳሞት ሓርበኛታት፡ – ኣብ 1961 ብረታዊ ገድሊ ንዘበገሱ፡ – ንሰራሕቲ ቅያ መዘናታቱ፡ – ኣብ ጅግንነታዊ ግጥማት ንዝወደቑ ሰማእታትን ጀጋኑ ሓርበኛታት ስንኩላንን፡ – ብጸላኢ ዝተረሸኑ ንጹሃት ዜጋታት፡ – ኣብ ሸላታት ጸላኢ ብማእሰርቲ ንዝማሰኑ፡ – ኣብያቶምን ንብረቶምን ዝበረሰ ኣብ ፈቐዶ ጎቦን ስንጭሮን ዝተበታተኑን ዝተሰደዱን ዜጋታት፡ – ድሕሪ ናጽነት፡ ሃገራዊ ዕማም እናኣሰላሰሉ ንዝተፈልዩን ህልዋትን ኣቦታትን መራሕትን. . . ኮታ ንኹሉ ወለዶን ክፋላትን ተቓላሳይ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣጣሚሩ፡ ኣብቲ ነዊሕን መሪርን መድረኻት ቃልሲ፡ ብድምር – ትርጉም ሰውራ፡ ጽንዓት፡ ጅግንነት፡ ትዕግስቲ፡ ንዝመሃረኒ ወለዶ ህያብ ትኹነለይ ኢሉ መዘከርታ ገጸ-በረከት ኣረኪቡና ሓሊፉ ኣሎ። ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፡ ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ፡ ንዓቕምን ብልሕን ጀጋኑ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ብልክዕነት ዝውክል፡ ካብ’ቶም ክሳብ ዕለተ-ዕረፍቶም ሃንቀውታ ህዝቢ ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ብዘይጽዓድ ሕልና ዝተቓለሱ፡ ሓያል ፍቕሪ ህዝብን ሃገርን፡ ትስፉው መንፈስ፡ ዓቕሊ፡ ተወፋይነት፡ ምቕሉልነት፡ ዝመለለይኡ ክብርታት ዝውንኑ ታሪኽ ደቂ’ዛ መሬት እዩ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዓቢይን ክቡርን ተቓላሳይ፣ ንሓዋሩ ብኽብሪ ኣብ እነፋንወሉ ህሞት እምበኣር፣ ከም ሃገራውያን ዝስምዓና ሓዘን ርዝነቱ ቀሊል ኣይኮነን።
መስዋእቲ ናይ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ክቡር ዜጋ ንሃገርን ህዝብን ዓቢ ክሳራ እኳ እንተኾነ፡ ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ፡ ኣብ’ቲ ዝተዋህቦ ዕምሪ፣ ብምሉእ ዓቕሙን ብልሑን ንሃገሩን ህዝቡን ተወፍዩ ብምስራሕ፡ ሃገራዊ ግቡኡ ብምልኣት ዝፈጸመ ዜጋ ብምዃኑ፣ ነቲ ብዙሕ ዝዓመመሉን ዘፍረየሉን ጉዕዞ ህይወቱ – ብሓበንን ዓቢይ ክብርን እናዘከርና ኢና ንፋነዎ ዘሎና። ኣብ 1979 ምስ ተጋዳሊት ኣምና ሓሰን መሓመድ ናይብ፡ ብስርዓት መርዓ ህዝባዊ ግንባር ተመርዕዩ ሓዳር ዝመስረተን – ኣቦ ክልተ ደቂን ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ፡ ብሃገራውን ሞያውን ኣበርክቶኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ውልቀ-ሰብ፡ ሰብኣዊ ባህርያቱ’ውን ዝድነቕ እዩ።
ሕዉስን ተዋዛያይን፡ ኣብ ስርሑ ምስ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ፡ ምስ መሳርሕቱ ለዚቡ ናይ ምርድዳእ ባህርይ ዝነበሮ፡ ምቕሉልን ጥዑምን፡ ቅኑዕን ግሉጽን፡ ፍትሓዊን ሕያዋይን፡ ንመሳርሕቱ ብፍልጠት ከማዕብል ዝጽዕር ሰብ ብምንባሩ፡ ብኹሎም መቓልስቱ ይኹን ብህዝቢ – ኣዝዩ ቅቡልን ፍቱውን እዩ ነይሩ።
ስውእ ሓርበኛ ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ፡ ከም’ዚ ኣብ ታሪኽ ህይወቱ ብሓጺሩ ዝተገልጸ፡ ብልዑል ፍቕሪን ተወፋይነትን ስለ ህዝብን ሃገርን ተበጅዩ ድሕሪ ምግልጋሉ፡ ብዝሓደሮ ሕማም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ30 ጥሪ 2024 ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ተሰዊኡ። ሎሚ ሓሙስ 01 ለካቲት 2024 ሰዓት 10፡00 ቅድሚ ቀትሪ ድማ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ቤተሰቡን መቓልስቱን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ፡ ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብመስዋእቲ ገዲምን ውፉይን ብጻይ፡ ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ ዝተሰምዖ ሓዘን እናገለጸ፣ ንስድራ-ቤቱን መቓልስቱን “ጽንዓት ይሃብኩም!” ይብል። ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!