“ትብጻሕኩም! ተባሂሎም።” … “ኣሰይ ኣሰይ ፈጣሪ ይተሓወሶ!” ኣብ ምምስራት ሓዳር ዝውሰድ ቀዳማይ ሕጋዊ ስጕምቲ ሕጸ እዩ። ንሕጸ ተኸቲሉ ሕጋዊ ውዑልን ስነስርዓትን መርዓ ይፍጸም። “እንዳ እገለ መርዓ ኣኺሉ ዕድመኹም! ወይ ዕድመ በጺሕኩምዶ?” ምስ ተባህለ፡ “ሓሳብ ልቦም የስምረሎም! የፈጽሞም!” ብምባል ሰናይ ትምኒትን ደገፍን ይግለጽ። ጥዑም ስማዕ፡ ጥዑም ብስራት እዩ። ኣይኮነንዶ ናይ ክልተ መጻምድቲ መቕርብ፡ ንዝኾነ ሰማዒ ሰናይ ስምዒት ዝፈጥር ብስራት እዩ። መዓልቲ መርዓ ኣኸለ፡ ድምጺ ዕልልታ ተሰምዐ፡ መቕርብን ዕዱማትን ዝከኣሎም ይጸባበቑ። ተዓጠቕትን ኣጋይሽን ብወኒ ዳስ የማዕርጉ። ድሕሪ ናይ እምነት ቃል ኪዳን ኣብ ዳስ ሕጋዊ ውዕል መርዓ ይፍጸም። መርዓ ብተሳትፎ ብዙሓት ብሓጐስ ይከናወን። ኣብ ዝምልከተን ትካላት መንግስቲ’ውን ውዕል መርዓ ክፍጸም ይከኣል እዩ። እዚ ናይ ሃገርና’ዩ። ስእሊ ንምፍጣር እምበር ብዝርዝር ኣይተገልጸን። ኣብ ካልኦት ሃገራትን ሕብረተሰባትን ከኣ ከከም ባህሎምን ልምዶምን ይትግብርዎ። ንስነ-ስርዓት መርዓ ብዙሕ ገንዘብ ይፈሶ እዩ።
ብመጠኑ ከከም ኵነታት ሕብረተሰቡ ደኣ ይፈላለ’ምበር ገንዘብስ ይባኽን እዩ። ውዕል መርዓ ግን ሕጋውያን መጻምድቲ ምዃንና ጥራይ እምበር፡ ክንደይ ገንዘብ ከም ዘጥፋእና ኣየካትትን እዩ። ኣብ ኩለን ሃገራት ከኣ ሕጋዊ ተቐባልነት ኣለዎ። ብገንዘብ ኣይልካዕን እዩ። “ስለምንታይ ንመርዓ ክንድ’ዚ ተገዳስነት፡ ርጡብነት፡ ጥንቃቐ፡ ተሳታፍነት፡ ይግበረሉ? ስለምንታይከ ክንድ’ዚ ሓጐስ፡ ባህታ ይፈጥር?” ብፍላይ’ኳ ካብ መንእሰያት ከምዚ ዝብሉ ኣይሰኣኑን ይኾኑ። ብወለዶም “ኣንታ ብርሃን ዘይተርእዩና?” ተባሂሎም እቲ ብርሃን መርዓ ገይርካ ሓዳር ምምራሕ ምዃኑ ግምት ከይሃቡ ምስ ኣበሃህላ ወለዶም ዘረባ ዝመላለሱ ኣለዉ። ሓዳር ደኣ ኣየናይ ብርሃን ከ! ናይ ብሓቂ ብርሃን እምበር። ብኣንጻሩ ኣብ ሕብረተሰብ መርዓ እንተ ዘይህሉስ ክንደይ ጸልማት ምተፈጥረ ብምባል ምግማት ይከኣል እዩ። መርዓ ብሩህ ተስፋ ጽባሕ እዩ። ስለምንታይ ክንድ’ዚ … ክንዲ ዝኾነ ይሕተት። ምናልባት ኣብ ስነ-ስርዓት መርዓ ዝወጽእ ገንዘብ ንምውሓድ ቅርጥውናን ውሕልነትን ርትዓውነትን የድሊ እዩ። እንተ ኣብ ካልእ መዳያት መርዓ፡ ብኹሉ መዳዩ ተጸኒዑ ብምሉእ መረዳእታን ንቕሓትን ክግበር ኣለዎ። ንዓና ኤርትራውያን ከም ሕብረተሰብ መርዓ ካብ’ቶም ዝዓበዩ ጉዳያትና እዩ። ነዚ ኸኣ መንእሰያት ኣጸቢቕና እናነቓሕናሉ ንኸይድ ኣለና። “ስለምንታይ? እወ ከመይ ኢሉ?” “ከመይ ዝብል ለባም!” በል መልሱ ሓዝ፤ ንኣብነት ናይ ስነህይወት ተመራማሪ ዝነበረ ቻርለስ ዳርዊን ዝበሎ፡ ክንደይ ግዜ ኣብ ስሩዕ ትምህርትናን ኣብ ሰሚናራት ብሓለፍትን ምሁራትን ኣቐዲምና ዝፈለጥናዮ ኣለና። ሓደ ፍጡር ቀጻልነቱ ከውሕስ እንተ ኾይኑ፡ ነዘን ዝስዕባ ሰለስተ ቀንዲ ነገራት ግድን ከማልእ ኣለዎ።
ቀዳማይ፡ ከመይ ኣቢሉ ይከላኸል? ተፈጥሮ ስቕ ኢልካ ክትነብር ስለ ዘይትንሕፍ፡ ሓደ ፍጡር እንተ ተፈጥሮ ብዝዓደሎ ክእለት እንተ ባዕሉ ዘማዕበሎ ክእለት ገይሩ ድሕነቱ ከውሕስ ኣለዎ። እንተ ዘይክኢሉ ይጠፍእ። ካልኣይ፡ ከመይ ኣቢሉ መግቡ ይእክብ? ሓደ ፍጡር መግቡ ዝእክበሉ ብልሓት እንተ ዘይኣማዕቢሉ ብጥምየት ይጸንት። ሳልሳይ፡ ከመይ ኣቢሉ ይባዛሕ? ሓደ ፍጡር ተባዚሑ ሓረግ ወለዶኡ ዝቕጽለሉ ውሑስ ኣገባብ እንተ ዘይኣማዕቢሉ ኣብዛ ዓለም ክሰርር ይጽገም። ጸገሙ እንተ ዘይፈቲሑ ኸኣ ይጠፍእ። ሕብረተሰብና ኸ ከም ሕብረተሰብ ክሰርር እንተ ኾይኑ ነዘን ሰለስተ ነገራት ኣብ ምግባር ይሰንፍዶ! ይብርትዕ እምበር! ከመይ ኣቢሉ ደኣ መንነቱ ዓቂቡ ጸኒሑ። ካብ ቀደሙ ድሕነቱን ህላውነቱን ዝሕልወሉ ኣገባብ እናተጠቕመ ጸኒሑ። መጽናዕትን ምርምርን መራጐድን ኣንፈት መትሓዝን መበርትዕን ደኣ’ምበር ሕብረተሰብ ንድሕነቱ ዝሓልፎ መስርሓት ብዙሕ እዩ። ኣርእስትና እቲ ሳልሳይ እዩ፣ መርዓ! “ንመርዓ ስለምንታይ ክንድ’ዚ…?” እወ ንመርዓ ኣጸቢቕና ንግደሰሉ፡ ንሓስበሉ፡ ንጥንቀቐሉ፡ ንነቕሓሉ ሓሳባት መርዓ፡ ድርኺት ብሩህ ተስፋ መንእሰያት ሃቂኖም ግና ብገድሉን ጽንዓቱን ዓቂብዎ። ከዳቕልዎ፡ ክደባልቕዎ ፋሕ ኣቢሎም ከጥፍእዎ ደኺሞም። እሞ ኤርትራውያን ቀለልቲዶ? ወይከ ካብ ክብርታትቶም ምኒቕ! ክሳብ ሕጂ’ውን እንተ ኾኑ እቶም ንጥፍኣቱ ዝሕልኑ፡ ኣብ ጉዳይ መውስቦ ድሕረትዶ፡ ናይ ዓልየት ኣኽራርነትዶ፡ ጸቢብነትዶ ወዘተ እናበሉ ከቃጥንዎ ይፍትኑ። ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን እያ። ድሕነትን ቀጻልነትን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይነእቱን። ባህልናን መንነትናን ክብርታትናን ዘይንሕሉ እንተ ንኸውን ደኣ እንታይ ምእንታኡ ብገድልን መስዋእትን ከቢድ ዋጋ ምኽፋል ኣድለየ። ንጸይቅታትን ነውርታትን ገዛእቲ “ፎእ!” ዝበለ ህዝቢ ክብሪ ይግበኦ እዩ። መርዓ ንማሕበራውን ስምዒታውን ሸነኻት ብእወታ ስለዝጸሉ ዕዉት ዜጋ ኣብ ምፍጣር ውጽኢታዊ እዩ። ብኹሉ መዳይ ዕዉታት መንእሰያት ምህላው ተስፋን ሓበንን ሕብረተሰብ ክዓቢ ንቡር እዩ። መርዓ ንተጻመድቲ መንእሰያት ትስፍዋትን ጽኑዓትን ንኽኾኑ ይድርኽ እዩ። ንመርዓ ብኹሉ መዳያቱ ተገዲስና ክንሕዞን ዋጋ ከነውጽኣሉን እኳ ዝግባእ እንተ ኾነ፡ ኣባኻኒ፡ ንቕድሚት ዘየሰጉም፡ ብእኡ ኣቢልካ ናብ ካልእ ትዕቢትን ዕሽነትን ዝውስድ፡ ረኣዩለይ ስምዑለይ ክበዝሖ ግን ነቲ ውርዙይ ባህሊ ምብልሻውን ንባዕልኻ ምፍዃስን እዩ ዘኸትል። ስለዚ መንእሰያት ኣብ ጉዳይ መርዓ ዘለና ንቕሓትን ኣረኣእያን ልዕሊ ኣቦታትና ኢና’ኳ ክንብል ኣይንኽኣል፡ ኣብ ምዕቃብ ግን ኣይሰነፍናን። ነቲ ብመግዛእቲ ኣብ ከተማታት ኣትዩ ዝነበረ ፋሉልነት’ውን ስዒርናዮ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ደቀንስትዮ ዝተገብረ ወፍርን ናይ ዕድላት ማዕርነትን ነብስኻ ናይ ምኽኣል ብቕዓትን ንቕሓትን ብልጫ ስለዝፈጠረ፡ ምዕሩይ ዝምድና መንእሰያት ክንርኢ በቒዕና ኢና። ፋሉልነት ከም ናጽነት ዝሓስብ እንተ ነይሩ ኸኣ ዕሽነትን ድሕረትን ምዃኑ በሪሁሉ ኣሎ። “ርሑስ ጋማ! ፈረይትን ጸገይትን ይግበርኩም!” ኢሎም ዝምርቑ፡ የብዝሓዮም። ንድሕነትናን ቀጻልነትናን ስለ ዝኾነ ንዕጠቐሉ። “ጥሪ ኸኣ መጽአት፡ መርዓ’ምበር በዚሑ፡” ንዝብሉ ኸኣ መንፈሶም ክሕደስ ተስፋ ክበዝሓሎም ብመርዓ ክሕጐሱ ንምነየሎም። “ሰስኑ ሰስኑ፡ ሽሕን ዋልታን ኩኑ፡ ኣታ ዝዓድና ከይኣትዎ ጓና፡” እወ ሕብረተሰብና ይሰስን። መርዓ ክቡር እዩ። ነዚ ክብሪ እዚ ኣብ ግቡእ ግዜኦም ዝበቕዕዎ መንእሰያት ከኣ ክብሪ ይኹኖም! ክብሪ ይኹነን! “ርሑስ ጋማ!!” ሸባብ ሃ ማ መ ተ ኤ ኩሉ ንገብረሉ፣ ካብቶም ቀንዲ መሰረት ውሕስነትናን ድሕነትናን ቀጻልነትናን ዝኾኑ ረቛሒ ስለዝኾነ። ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ መውስቦኡ ንድሕነት ዘውሕስ ኣገባብ እንተ ዘይብሉ፡ ስለምንታይ ድሕነቱ ንምክልኻል ኣብ ኲናት መስዋእቲ ይኸፍል። ክልቲኡ ሓደ እዩ። ሰኣን ግቡእ ምክልኻል ምጥፋእ ኣሎ፣ ሰኣን ግቡእ መውስቦ ምፍጻም ምጥፋእ ኣሎ። ስለዚ ንመርዓ ብተገዳስነት ብሕግን ስርዓትን ፈጺምና፡ ብደበላን ዕልልታን ብእምብልታን ዋጣን እንተ መጐስና፡ ናይ ድሕነትናን ቀጻልነትናን ጥበብን ንቕሓትን እዩ። ብፍላይ እኳ ንዓና ንኤርትራውያን ምስ ዝበዝሓ ጸለውትን ምዕቡላትን ሃገራት ብምንጽጻር ውሑዳት ስለ ዝኾንና፡ ብዝለዓለ ጥንቃቐን ተገዳስነትን ክንገብሮ ይግበኣና። ኣማኢት ሚልዮናት ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት ዝኽተልኦ ኣገባብ ዘዘውትርኦ ልምዲ፡ ወይ ዝገብርዎ ሸለልትነት ኣብ ውሑድ ብዝሒ ህዝቢ ዘለውን ሃገራት ንሓደጋ ዘቃልዕ ክኸውን ይኽእል። ከም ሓደ ርስሓት ናብ ውቅያኖስን ናብ ሓደ ቃላይን ክጐሓፍ እንከሎ ዝፈጥሮ ፍልልይ ማለት እዩ። እቲ ነቲ ቃላይ ጠቕላላ ምሉእ ብምሉእ ዝብክሎ ወይ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝገብሮ፡ ነቲ ውቅያኖስ ኣይብክሎን። ኣበይ ከም ዝፈሰሰ’ኳ ደሊኻ ኣይርከብን። ብባህልን ልምድን፡ ብሕግን ስርዓትን ሕብረተሰብካ ተማእዚዝካ፡ ማሕበራውን ባህላውን ሰውራውን ክብርታት ሃገርካ ዓቂብካ፡ ኣብ ግዜኡ መርዓ ምፍጻም ሃገራውነት እዩ። ስድራቤት መሰረታዊት ኣሃዱ ናይ ሓደ ሃገር እያ። ኩሉ መሰረታዊ ነገራት ምሂራ ኣውሓስቲ ሃገር፡ ሃነጽቲ ሃገር እተዕቢ ዓባይ ትካል። ስድራቤት ንምምስራትን ብንቕሓትን ብርድኢትን ብድልየቶምን ኣብ ግቡእ ግዜኦም መርዓ ዝገብሩ መጻምድቲ ሓላፍነት ንምስካም ትብዓት ዝኣከቡ እዮም። መርዓ ምፍጻም ስድራቤታውን ማሕበራውን ሓላፍነት ምውሳድ እዩ። “ከኣ መጽአ መጽአ፡ ኣንበሳ ይመስል ካብ ዱር ዝወጽአ፡” ዝበሃል፡ ግርማን ትብዓትን ንምውካል ይመስል። መርዓ ብዙሓት ብቐረባ ንዘይፋለጡ ሰባት የቀራርብ፡ ኣሕዋት ይገብር። ተስፋ ምድልዳል ፍቕርን ሓድነትን ይህብ። መንእሰያት ኣብ ግቡእ ግዜኦም ክምርዓዉ ምርኣይ የሐጉስ ጥራይ ኣይኮነን፣ ተስፋ ስድራቤት ተስፋ ሕብረተሰብ ንኽዓቢ’ምበር ይድርኽ። ዝድልድል ፍቕሪ መንእሰያት፡ ዝምስረት ሓዳር፡ ዝጥመርን ዝሰጥምን ማህበራዊ ህይወት ርእዩ ዘይምርቕን ዘይትስፎን፡ ኣመት መጻእቲ ወለዶ ዘይብሉ ተስፋ ቘረጽ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። የድሕነና! መንእሰያት ሓቂ፡ ቅንዕና፡ ሒዞም ብእምነት ካብ ዕርክነትን ምሕዝነትን ካብ ኩሉ ጸቢብ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ነጻ ኮይኖም ኣብ መርዓ ምብጽሖም፡ ኣገናዕ ዘየብል ኣይኮነን። ይበሃሉ ኸኣ ኣለዉ። ኣብ መርዓ ዝግበር ተሳትፎን ኣብ ሕጽኖት ዝግበር ኣበርክቶን ተገዳስነትን መርኣያ ኣድናቖትን ኣኽብሮትን ናይ መጻምድቲ እዩ። መርዓ ንቕሓትን ልቦናን ምዕባለን ወዲሰብ ዘምጽኦ ነገር እዩ። መርዓ ተፈጥሮኣዊ መስርሕ ኣይኮነን። ቈልዑ ምውላድ ግን ተፈጥሮ እዩ። እቲ ሕቶ ብኸመይ ትወልድ፡ ብኸመይ ተዕቢ፡ ብኸመይ ሕብረተሰብ ይቕጽል እዩ። እቶም ዝበዝሐ መውስቦኦም ብጥንቃቐ ብሕጊ መርዓ ዝገብርሉ ሕብረተሰባት ስልጡናት እዮም ዝበሃሉ፣ እዮም ከኣ። ብዙሓት ብሕጊ ዝቖማ ስድራቤታት ይውንኑ። ብዙሓት ብትካላዊ ቅርጺ ዝዓብዩ ዜጋታት ይውንኑ ማለት እዩ። ከምዚ ጸጋ ዘለዎም ሕብርተሰባት ከኣ ውሑስን ትስፉውን መጻኢ ናይ ምጭባጥ ተኽእሎኦም ዓቢ እዩ። ሕብረተሰብና ነዚ ነገር እዚ ካብ ቀደም ዝነቕሓሉን ዝለበመሉን ህዝቢ እዩ። ክንደይ ጸላእቲ ነዚ ክብሪ እዚ ከፍርስሉ