ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተጋዳላይ ኣምባሳደር

ስነ-ስርዓት ቀብሪ – ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ፡ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ግንባርን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ትማሊ ሓሙስ 1
ለካቲት ሰዓት 10፡00 ቅ-ቐ.፡ ኣብ መካነመቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ብክብ
ዝበለ መዓርግ ተፈጺሙ።May be an image of 4 people, clarinet, trumpet and oboe
ብ30 ጥሪ ኣብ መበል 78 ዓመት
ዕድመኡ ብሕማም ዝተሰውአ ገዲም
ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር
ባዱሪ፡ ኣብ 1970 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት
ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ኰይኑ፡ ኣብ
ሓርነታዊ ቃልሲ – ኪሚሽነር ሓይሊ፡
ወኪል ህዝባዊ ሓይልታትን ህዝባዊ
ግንባርን ኣብ ዓደን – ደቡብ የመን፡
ኩወይትን ሱዳንን፣ ሓላፊ ዜናን ብደረጃ
ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር
ሰክረታርያት ክፍሊ ወጻኢ ዝምድናታትን፣May be an image of 6 people
ድሕሪ ናጽነት ድማ፡ ኮሚሽነር ጉዳይ
ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኮሚሽነር
ማእከል ወፍሪ ኤርትራ፡ ቀዋሚ ልኡኽ
ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡
ብምዃን ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት
ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።
ኣብ’ቲ ብባንድ ምረሻ ዝተሰነየ ስነ-ስርዓት
ቀብሪ፡ ብስም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ
ኣምባሳደር ነጋሲ ሰንጋል፣ ብስም ህዝባዊ
ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን – ሓላፊ
ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፣
ብስም ሚኒስትሪ ዜና – ሚኒስተር የማነ
ገብረመስቀል፣ ብስም ስድራ-ቤት ስውእ
ድማ – ጓሉ ዛህራ ኣሕመድ ኣኽሊል
ዕንባባ ኣንቢሮም።
ስዉእ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር
ባዱሪ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ደቂን እዩ።