ኢራን፡ ‘ኣብ ቅትለት ወተሃደራት ኣመሪካ ኢድ የብለይን’ ትብል

ኢራንኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ኣመሪካ ዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲኢድ ከምዘይብላ ገሊጻእታ ሃገር ነዚ ዘፍለጠትእቲ ህይወት ሰለስተ ወተሃደራት ኣመሪካ ዝለከመን ልዕሊ 30 ካልኦት ዘቝሰለን መጥቃዕቲኢራን ብእትድግፎም ጥሩፋት ዕጡቓት ጉጅለታት ከምእተፈጸመፕረዚደንት ኣመሪካባይደን ድሕሪ ምኽሳሱ እያኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ናስር ካናኣኒ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታእቲ ብኣመሪካ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ሓሶት ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስእታ ሃገር ኣብ ሶርያን ዒራቕን እተካይዶ ዘላ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲታትንኣብ ልዕሊ ቃዛ ዝፍጸም ዘሎ ህልቂትን ደው ክሳብ ዘይበለኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ወተሃደራታ ካብ መልሰ-መጥቃዕቲ ክድሕኑ ከምዘይክእሉ ኣገንዚቡ

ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ኣመሪካ ዝፍጸም ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲታትእቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሓላፍነት ይወስድሉ ከምዘለዉ እዩ ዝሕበርእዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎፕረዚደንትባይደንነቲ ኣብ ጥቓ ዶብ ሶርያ ኣብ ዝርከብ መዓስከ ኣመሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲወተሃደራዊ ግብረ-መልሲ ክህበሉ ምዃኑ ኣጠንቂቑኲናት ቃዛ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ዝውላዕ ንደሓርብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሚሊሻታት ኣብ ልዕሊ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዓስኪሮም ዝርከቡ ወተሃደራት ኣመሪካ 150 ግዜ መጥቃዕቲታት እኳ እንተፈጸሙእዚ ናይ ሰንበት መጥቃዕቲእቲ ዝለዓለ ሰባዊ ክሳራ ዘውረድሉ ፍጻሜ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎብመሰረት ጸብጻባትብተወሳኺኣብ ዮርዳኖስ ኣስታት 3 ሽሕ ወተሃደራት ኣመሪካ ዓስኪሮም ከምዝርከቡእቶም ጸብጻባት ይጠቕሱ