ኣመሪካ፡ ብዛዕባ ህዝባዊት ሪፓብሊክ
ቻይና፡ ዝተሰንዑ ናይ ሓሶት ዜናታትን፡
ጽሑፋትን ብምዝርጋሕ ጸለመታት
ዝነዝሑ ጋዜጠኛታት ክትምልምል
ምጽናሓ በይጂንግ ከሲሳ።
ንቻይና ዘጸልሙን ዘካፍኡን፡ ብጥበብ
ዝተሰንዑ ዜናታት ይፍነዉ ከምዘለዉ
ዝገልጽ መንግስቲ ህ.ሪ.ቻይና፡ ኣመሪካ
ነቶም ኣብዚ ዕማም ዘዋፈረቶም
ጋዜጠኛታት ዝኸውን 1.5 ቢልዮን
ዶላር ባጀት’ውን ካብ ቅድሚ 5 ዓመት
ኣትሒዛ፡ ከምዝሰልዐት እዩ ዝገልጽ።
ብመሰረት ክሲ በይጂንግ፡ መንግስቲ
ኣመሪካ፡ ነተን ኣብ ሃገሩ ዝርከባ ዓበይቲ
ሜድያታት፡ ዓቢ ወፍሪ ብምግባር’ዩ
ኣንጻር ቻይና ዝዓለመ ሓቅነት ዘይብሉ
ዜናታት ከጋውሕ ጸኒሑ።
እዚ ኸኣ ነቲ ቻይና ምስ ሃገራት
ምዕራብ ዘለዋ ዘይምቅዳው
ዘጋድድን፡ ካልኦት ናይ ሃገራት
ምዕራብ ሜድያታት እውን፡ ነቲ
ዜና እናኣጋውሓ ነታ ሃገር ከጸልምኣ
ዝተሃንደሰን ምዃኑ እዮም ሰበ-ስልጣን
ቻይና ዝኸስሱ።
ኣመሪካ ነተን ብዛዕባ ቻይናን
መሪሕነታን ኣሉታዊ ሓበሬታ ዝፍንዋ
ማዕከናት ዜና ንምትብባዕ ኣብ ዓመት
840 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ባጀት
ከምእትስልዕ ድማ እቶም ሰበ-ስልጣን
የቃልዑ።