ኣብ 78 ዓመት ዕድሚኡ 54 ዓመት ንሃገሩ ዝወፈየ

Minster Eritrea
“ካብ 78 ዓመት ዕድሚኡ 54 ዓመት ንሃገሩ ህዝቡን
ናይ ዝወፈየ ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣሕመድ
ጣህርባዱሪ ስነ ስርዓት ቀብሪ ተፈጺሙ”
*****************************
ሎሚ 1 ለካቲት 2024 ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣምባሳደር ኣሕመድ ታሂር ባዱሪ – ን54 ዓመታት ዕድሚኡ ኣብ
ክቡር ኣገልግሎት ህዝቡን ሃገሩን ዘወፈየ ሓርበኛ –
ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን/ህግደፍን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣብ ዝተረክብሉ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ መራሕቲ ሃይማኖት ስድርኡን ቡጾቱን ህዝብን ኣብ ዝተረክበሉ ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ተፈጺሙ።
ኣብ ኑኡስ ዕድሚኡ ኣብ 1970 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝተሰለፈ ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣምባሳደር
ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ብዝሓደሮ ሕማም ብ30 ጥሪ
2024 ኣብ 78 ዓመት ዕድሚኡዩ ተሰዊኡ።
May be an image of 6 people
ስውእ ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣሕር
ባዱሪ ካብ 78 መዋእል ዕድሚኡ እተን 54 ዓመታት
ንህዝቡን ሃገሩን ዝወፈየ ገዲም ሓርበኛ ተቃላሳ’ዩ።
ኣምባሳደር ኣሕመድ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ኮምሽነር ሓይሊ ብሙኳን ተዋጊኡን ዘዋገኤን ድሒሩ ወኪል ህዝባዊ
ግንባር ኣብ የመን ፥ ኩዊየት ፥ ሱዳንን ፥ ሓላፊ ዜናን ኣባል
ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባርን ፥ ሰክሪታሪያ ክፍሊ
ወጻኢ ጉዳያት ኮይኑ ብተወፋይነት ዝተቃለሰ ሓርበኛዩ።
ድሕሪ ናጽነት ፥ ከም ኮምሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራን
ኮምሽነር ማእከል ወፍሪ ኤርትራ ፥ ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን
ብሙኳን ካብ 78 ዓመት ዕድሚኡ 54 ዕመታት ንህዝቡ
ብምውፋይ ዘገልገለ ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይዩ።
ስውእ ሓርበኛ ተጋዳላት ኣሕመድ ጣሕር ባዱሪ
ብዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ውሉድን’ዩ።
ንስድራቤትን ፥ መቃልስቱን ፥ ብጾቱን ፥ ንመላእ
ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብ።
ምስንዳእ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን።
May be an image of 10 people
May be an image of 10 people
May be an image of 4 people, clarinet, trumpet and oboe