ብዙሕ ግዜ ወይ ብልምዲ ወለዲ ኣብ ኣተሓሕዛ ውሉዶም ዝተፈላለየ ኣገባባት ክኽተሉ ንዕዘብ ኢና። ገለ ወለዲ፡ ብያታዊ ኣተሓሕዛ ውላድካ ምዕባይ እቲ ዝበለጸ መገዲ’ዩ ዝብል እምነት ይኽተሉ። እዚ ከኣ ነቲ ብያታዊ ኣበሃህላ “ቀጺዑ ይሃብካ’ምበር ምቕጻዕ ፋይዳ የብሉን” ዝብል ርድኢት ዘራጒድ’ኳ እንተዀነ ኣድማዕነቱ ግን ክሳብ ክንደይ’ዩ? ምስዚ ናይ ዓውሎማነትን ካልእን ጽልዋታት፡ ኣብዚ ብሂል’ዚ ተመርኲስካ ውላድካ ምዕባይ ይከኣል ድዩ? ካልኦት ወለዲ ድማ ንደቅኻ ብግቡእ ቀጺዕካ ምዕባይ ፍረ ዝሕፈሶ ዝበለጸ መገዲ’ዩ ዝብል እምነት ይስዕቡ። ከም ተወሳኺ’ውን ብመብዛሕትኡ ተቐባልነት ዘለዎን ብፍላይ ድማ ከም ብሂልን ልምዲን ዝጸንሐ “ቈልዓ ብንኡሱ ቈርበት ብርሑሱ” ዝብል ብሂል ንእምነቶም ዘራጕድ ምዃኑ ይገልጹ። ስለዚ፡ ንውላድካ ካብ መስመር ኣብ ዝወጽኣሉ ምስ ዕድመኡን ደረጃ ንቕሓቱን ዝኸይድ መቕጻዕቲ ኣሰኒኻ ምዕባዩን ምስትኽኻሉን ጽባሕ ንግሆ ዘየጣዕስ ስጕምቲ’ዩ ይብሉ። ገሊኦም ናብ ዘመናውነት ዝዘምበሉ ወለዲ ድማ፡ “ምቕጻዕ ማለት ነቲ ቈልዓ ምድንቋርን ርእሰ-ተኣማንነቱ ምጥፋእን ኣብ መወዳእታ ከኣ ድሁል ኰይኑ ከም ዝዓቢ ምግባርን ስለዝዀነ፡ ኣብ ክንዲ ብምቕጻዕ ብሜላ ንውሉድካ ከተዕቢ ይምረጽ” ይብሉ። ከም መወከሲ፡ መጀመርታ መቕጻዕቲ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ምርዳእ ከድልየና’ዩ። መቕጻዕቲ ክበሃል ከሎ ከም ልምዲን ተሞኩሮን መግናሕቲ፡ ኣካላዊ መቕጻዕቲ፡
ገጽ ምኽላእ፡ ተግሳጽ ወዘተ . . . ዝኣመሰለ ትርጕም ይወሃቦ’ዩ። መብዛሕትኦም ግን መቕጻዕቲ ማለት ብቐጥታ ምስ ኣካላዊ መቕጻዕቲ (ኮርፖራል ፓኒሽመንት) ኣተኣሳሲሮም እዮም ዝርእይዎ። እዚ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ወይ ድማ ኣካላዊ ሃስያ ዝበሃል ግን ምስ መቕጻዕቲ ክንወስዶ የብልናን። ክጥቀሱ ዝጸንሑ ከም መግናሕቲ፡ ሕርቃን፡ ቆየቛ፡ ጭደራ፡ ምጽራፍ፡ ወዘተ ስምዒታዊ ዓመጽ (ኢሞሽናል ኣቢዩዝ) ደኣ’ምበር ዲሲፕሊናዊ ስጕምቲ ኣይኰነን። ስለዚ መአረምታ ወይ መቕጻዕቲ እንብሎ ንሓደ ዘይተደልየ ጠባይ፡ ልምዲ ወይ ወልፊ ኣሊኻ ቅቡል ዝዀነ ጠባያት ወይ ባህሪያት ምኹስኳስ ማለት’ዩ። ካብዚ ብምንቃል መቕጻዕቲ ዕዉት ክኸውን እንኽተሎም ስልትታት ድማ እዞም ዝስዕቡ’ዮም። 1. ቅጽበታዊ (swift)፡ ኣብ መቕጻዕቲ ግዜ ወሳኒ’ዩ። እቲ ዝበደለ ቈልዓ መቕጻዕቱ ኣብ ሓደ መቓን ኣእቲና ክንርእዮ ኣለና። ስለምንታይ ከም ዝቕጻዕ ዘሎ ክፈልጥ ይግባእ። ነዚ ንኽርዳእ’ውን በደልን መቕጻዕቲን ኣብ ሓደ ዝተቐራረበ ግዜ ክፍጸሙ ኣለዎም። ኣብዚ ብዙሕ ግዜ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይቲን ኣብ ኣቀጻጽዓ ፍልልይ ይህሉ’ሞ እቲ ቈልዓ በቲ ግቡእ መገዲ ኣብ ክንዲ ዝቕጻዕ ግጉይ ኣቀጻጽዓ ክንክተል ንኽእል። ካብ ጠባያት ወለዲ “ኣደ” ከም ናይ ቀረባ ኣላዪት፡ ኣብ ውላዳ ንዘለዋ ስክፍታ ብቐጻሊ ርእይቶ ካብ ምሃብ ዓዲ ኣይትውዕልን’ያ። ኣቦ’ውን ዝበዝሕ ግዜ፡ ውልቃዊ ርእይቶ ካብ ምሃብ ሓሊፉ ስጕምቲ ክወስድ ኣይርአን’ዩ። ስለዚ፡ እቲ ቈልዓ ጕድለታት ይደጋግም’ሞ ጠባዩ እናተበላሸወ ይኸይድ። ጕድለታት ምእካብ ድማ እንትርፎ ሃስያ ዝህቦ ጥቕሚ የለን። ስለዚ፡ ጌጋ ኣብ ዝፍጽመሉ ቅጽበት ክእረም ኣለዎ። እቲ ሓደ ክቐጽዖ እንከሎ፡ እቲ ካልእ ኣብ መንጎ ከገላግል ምፍታን ግጉይ ምዃኑ ኣሚንና ጕድለት ከይሳዕረረ ከሎ ክንእርም ይግባኣና። 2. ብቑዕ (sufficient)፡ እቲ ብቑዕ መአረምታ ወይ መቕጻዕቲ ምስቲ ዝተፈጸመ በደል ዝመጣጠን ክኸውን ኣለዎ። ዘይስዉጥን ልምሉምን ኣቀጻጽዓ፡ ኣካላውን ስነ-ልቦናውን ስንብራት ዘትርፍ ጭካነ ዝተሓወሶን ኣቀጻጽዓ፡ ነቲ ቅቡል ባህሪያት ዘይምልሹ ግጉያት ኣቀጻጽዓ እዮም – ክውገዱ ይግባእ። ኣቀጻጽዓና ልምሉምን ሸለልትነት ዝተሓወሶን እንተዀይኑ ድማ እቲ ዝቕጻዕ ቈልዓ ኣብ ባህሪያቱን ጠባያቱን ለውጢ ከምጽእ ዘይሕሰብ’ዩ። ኣቀጻጽዓና ካብቲ ዝግባእ ንላዕሊ ተረርቲ እንተዀይንና፡ እቲ ዝቕጻዕ ውሉድ ነቓጽ ባህሪያት ኣማዕቢሉ ክጥምጠመና ይኽእል’ዩ። ስለዚ ነዚ ዝተጠቕሰ ኣብ ግምት ብምእታው ብቕዓቱ ዝሓለወን ምስቲ ዝተፈጸመ በደል ዝመጣጠንን መቕጻዕቲ ወይ መአረምታ ክንህብ ይግባእ። 3. ዘላቒ (consistency)፡ ሕማቕ ባህሪ ወይ ጠባይ ክሳብ ዘይተኣረመ ሳዕቤኑ ስለዝገድድ፡ ከይሰልከና ቅርዑው ኣገባብ መቕጻዕቲ ከነካይድ ይግባእ። ንውሉድና ክንእርሞ ኣብ እንደልየሉ ሕዝ ግድፍ ኣቀጻጽዓ ነወግድ። ዕላማና ዘይስሩዕ ጠባያት ወይ ዘይቅቡላት ባህሪያት ኣወጊድካ ቅቡል ባህሪያት ምኹስኳስ ክሳብ ዝዀነ፡ ንዘይተኣረመ ጠባያት ብቐጻሊ ክንእርሞ ይግባእ። ሓደ ካብቲ ጌጋ ርድኢት “ይቐጽዖ ነይረ፡ ሎምስ ሰልክዩኒ ገዲፈዮ” ዝበሃል ኣዘራርባ ኰይኑ፡ ዕላማ መቕጻዕቲ እንታይ ምዃኑ ካብ ዘይምፍላጥ ዝብገስ ዘረባ’ዩ – ፍጹም ክውገድ ኣለዎ። ቅድሚ እዚ ናይ መቕጻዕቲ ውሳነ ወይ ስጕምቲ ምውሳድና ከም ወለዲ ክንፈልጦምን ክንክተሎምን ዝግብኡና ሓቅታት ኣለዉ። ብዓቢኡ ድማ “ውሉድ ካብ ወላዲኡ” ዝጽበዮም ነጥብታት’ዮም። – ሓገዝን ተገዳስነትን – ብጽሞና ምስማዕን ጠሊቕካ ምርዳኦምን – ፍቕሪን እወታዊ ኣረኣእያን – ምቕባልን ምፍቃድን – እምነት (trust) – ውልቃዊ ናጽነት – ቁጽጽርን ምምራሕን። ስለዚ’ምበኣር፡ ደቅና ጕድለታት ካብ ምግባር ካብ ዘይተቘጠቡ። ንሕና ወለዲ ድማ ግቡእ መቕጻዕቲ ወይ መአረምታ ካብ ምሃብ ዓዲ ኣይንውዓል።