ኬንያ – ነትጒ ጋዝ ጒድኣት ኣውሪዱ

Kenya bomb fire

ኣብ ኬንያ ርእሰ-ከተማ ናይሮቢ፡
ኣብ ናይ ሓደ ፋብሪካ መምልኢ ጋዝ
ብዘጋጠመ ሓደጋ ነትጒ – ሰባውን
ንዋታውን ክሳራታት ከምዝወረደ
ተሓቢሩ።
በቲ ሓደጋ፡ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት
ኣብ 2050፡ ብደረጃ ዓለም ቊጽሪ “ሕማም መንሽሮ ብተዓጻጻፊ ይውስኽ ኣሎ” ውድብ ጥዕና ዓለም ሓዲሽ መልከፍቲ ሕማም መንሽሮ
– 35 ሚልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእል፡
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣሚቱ።Terrified people fled for safety as the flames drew closer
እዚ ድማ፡ ምስ’ቲ ኣብ 2022
ዝነበረ ኣሃዝ ክነጻጸር እንከሎ – ብ77
ሚእታዊት ከምዝዛይድ እቲ ውድብ
ወሲኹ ይሕብር።
እቲ ብዓለም-ለኻዊ ትካል ምርምር
መንሽሮ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም
ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡
ትምባኾ፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ምኽሳዕን
ብከላ ኣየርን – ቀንዲ ረቛሒታት ናይቲ
ዝግመት ዘሎ ወሰኽ እዩ።
“እዚ ሓድሽ ግምታት፡ ሎሚ ዘሎ ደረጃ
መንሽሮ – ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት እናዓበየ
ክኸይድ ከምዝኽእል ዝእምት ብምዃኑ፡
መጻኢ ጾር ሕማም መንሽሮ ክሳብ ክንደይ
በዳሂ ይኸውን ከምዘሎ ዘጉልሕ እዩ”
ክብል ሓላፊ ምክትታል መንሽሮ ኣብቲ
ውድብ ገሊጹ።
እዚ ብቕልጡፍ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ
ሕማም፡ ንኽልቲኡ ዕድመ ዘጥቅዕ
ምዃኑ ዝገለጸ’ቲ ትካል፡ ብገምጋም ሓደ
ካብ ሓሙሽተ ሰባት ንመንሽሮ ክቃላዕ
ከምዝኽእል ኣገንዚቡ።
ምማቶም – ልዕሊ 200 ብምቚሳሎም
እውን ቊጽሪ ምውታት ከይውስኽ
ተሰጊኡ ምህላዉ ተገሊጹ።
እቲ ባርዕ ብዝፈጠሮ ስግኣት፡ ነበርቲ
ናይ’ቲ ከባቢ ናብ ውሑስ ቦታ
ከምዝግዕዙ ከምእተገብረ ዝጠቐሱ’ቶም
ሰብ-መዚ፡ ዝተደፍኑ ከይህልዉ ናይ
ምንዳይ መስርሕ ይካየድ ከምዘሎ
ኣረዲኦም።
እቲ ነትጒ ዘጋጠሞ ፋብሪካ
መምልኢ ጋዝ ኣብ ማእከል መንበሪ
ኣባይቲ ተደኲኑ ከምዝርከብ ዝጠቕሱ
ጸብጻባት፡ ሓያሎ ኣባይትን ትካላትን
ከምእተቓጸለ ገሊጾም።
ጠንቂ እቲ ባርዕ ይጻረ ከምዘሎ ዝሓበረ
ፖሊስ ኬንያ፡ እቲ ነትጒ – ኣብቲ
ፋብሪካ ዕትሮ ጋዛት ኣብ ዝመልኣሉ
ዝነበረ እዋን ከምእተኸስተ ተሓቢሩ።
እንተኾነ፡ ድሒሩ ዝወጽአ ሓበሬታ
ከምዘመልክቶ፡ እቲ ሓደጋ – ጋዝ ጽዒና
ዝነበረት ዓባይ መኪና ዝዀነ ጸገም
ኣጋጢምዋ ብምንታጓ ዝተፈጥረ እዩ።
እቲ ባርዕ፡ ካብቲ ፋብሪካ ብምብጋስ
ናብ ሓያለ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መንበሪ
ኣባይቲ ከምዝለሓመ ክግለጽ እንከሎ፡
ካብ’ዚ ብምብጋስ ቍጽሪ ምውታት
ክውስኽ ከምዝኽእል ስግኣት ኣሎ።