ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ደሞክራሳዊት
ሪፓብሊክ ኮንጎ ብሰንኪ ዝተኸስተ ቀቢላዊ
ግጭት፡ ብውሕዱ 11 ሰባት ከምእተቐትሉ፡
ካብ’ታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ሓቢሩ።
እዚ ኣብ መንጎ ቴካን ያካን ዝተባሃሉ
ቀቢላታት ዝተኸስተ ግጭት፡ ኣብታ
ሃገር ከቢድ ጸጥታዊ ቅልውላው ኣስዒቡ
ምህላዉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ኣብ መንጎ እዞም ቀቢላታት ዘሎ ግጭት
ካብ ዓመተ 2022 ኣትሒዙ ከምዝጀመረ
ዝጠቐሱ ጸብጻባት፡ ብሰንኪ’ቲ ግጭት፡
ብተወሳኺ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው
እውን ከምእተራእየ ሓቢሮም።
ብሰንኪ’ዚ ኣብ መንጎ ቴካን ያካን እናሻዕ
ዝለዓል ቀቢላዊ ግጭት፡ ዛጊት ልዕሊ 3 ሽሕ
ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 150 ሽሕ
ሰባት ካብ ቤት-ንብረቶም ተመዛቢሎም
ከምዝርከቡ ጸብጻባት የመልክቱ።
ብተወሳኺ፡ ካብቶም ነቲ ግጭት ኣብ
ትሕቲ ቁጽጽር ንምውዓል ዝተዋፈሩ
ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኮንጎ እውን፡
ልዕሊ 10 ከምእተቐትሉ፡ ሰብ-መዚ እታ
ሃገር ኣረዲኦም።
ብሓያሎ ጉዳያት ተዋጢሩ ዘሎ መንግስቲ፡
ነቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ቀቢላታት’ታ
ሃገር ዝለዓል ግጭት ክቈጻጸሮ ከምዘይከኣለ
እዮም ዝተፈላለዩ ወገናት ዝሕብሩ።
ኣብ ደ.ሪ.ኮንጎ ኣብዘን ዝሓለፋ 2
ዓመታት፡ ብሰንኪ ቀቢላዊ ግጭት፡ ብዙሓት
ሰባት ይቕተሉን ይመዛበሉን ምህላዎም
ጸብጻባት ይጠቕሱ።