ስርሒት ፈንቅል፡ ጀጋኑ ኤርትራውያን ተጋደልቲ ንሓርነት፡ ኣብ ታሪኽ
ወተሃደራዊ ግጥማት ዓለምና፡ ሒደት መዳርግቲ ጥራይ ዝርከቦ፡ ብመሬትን
ባሕርን እጹብ ድንቂ ቅያ ዝፈጸምሉ፡ ሓደ ካብ ብዙሕ መስተንክራት ሓርነታዊ
ቃልስና እዩ። እዚ ብውሕሉል ወተሃደራዊ ስልቱ፡ ብበርቃዊ ቅልጣፈኡን ስፍሓት
ሸፈነኡን ንዓለም ዘገረመ፡ ናይ መወዳእታ መሰረት መግዛእቲ ብምፍንቃል፡
ሓርነት ኤርትራ ግድነት ምዃኑ ዜግሃደ ወተሃደራዊ ስርሒት’ዚ፡ ውሉድ
ወለዶ ኤርትራውያን፡ ብልዑል ሓበንን ኲርዓትን ንዘንተ-እለት ክዝክርዎ ዝነብሩ፡
ታሪኻዊ ውርሻ እዩ።
ፈንቅል ቅኒት ሓርነት! ርሑስ ቅንያት ፈንቕል