ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣን ኢጣልያ – ኣብ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ዘትዩ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ31 ጥሪን 1 ለካቲትን ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣን ሪፓብሊክ ኢጣልያን ኢጣልያውያን ትካላትን፡ ኣብ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ በብጽላቱ ዘትዩ። ምስ ሚኒስተር ንግድን ውጽኢት ትካላት ኢጣልያን፣ ሚኒስተር ስፖርትን መንእሰያትን፣ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን፣ ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ትካላት ኣብ ዝገበሮ ርክባት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብወገን ኤርትራ – ትሕተ-ቅርጺ ጽርግያ፡ ማይ፡ ባቡር፡ መስኖኣዊ ልምዓት፡ ጸዓት ብፍላይ ድማ ተሓዳሲ ጸዓት ልዑል ኣድህቦ ዝግበረሉ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ምውህላል ማይ ተሰላሲሉ ዘሎ መደባትን ገስጋሱን መብርሂ ሂቡ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ ኣብ ሃብቲ ዓሳን ቱሪዝምን፡ ኣገልግሎታት ትምህርትን ጥዕናን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዕደና ንዘሎ ዕቑር ጸጋታትን ዓቕሚን ብምግላጽ፡ ኣብ ኤርትራ ንወፍሪ ምቹእ ሃዋህው ስለዘሎ፡ ምስ ኢጣልያ ዝግበር ምትሕግጋዝ ኣብ’ዚን ኣብ ምጽጋን ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጽን ዘተኰረ ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቡ። እቶም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢጣልያ ብወገኖም፡ ብዛዕባ ኤርትራ ብዙሕ ተገዳስነት ስለዘሎ፡ ኩባንያታት ኢጣልያ ቈላሕታአን ናብ ኤርትራ ክገብራ ከተባብዑ ምዃኖም ኣረጋጊጾም። ምስ ሚኒስተር ስፖርትን መንእሰያትን ዝተገብረ ርክብ ድማ፡ ምምዕባል ትሕተቅርጺ፡ ዕድላት ማህደረ-ትምህርቲ፡ ምልውዋጥ ተመኲሮን ካልእን ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ንናይ ሓባር ስራሕ መበገሲ ዝኸውን ናይ ስምምዕ ሰነድ – ኣብ ሓጺር እዋን ክዳሎ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ። ብዕድመ መንግስቲ ኢጣልያ፡ “ድንድል ንሓባራዊ ዕብየት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብ28ን 29ን ጥሪ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተቓንዐ ዋዕላ ኣፍሪቃን ኢጣልያን ዝተሳተፈ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ምስኡ ዝተጓዕዘ ልኡኽን፡ ኣቐዲሙ እውን ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጅያ ሜሎኒን ካልኦት ሚኒስተራትን ተራኺቡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ከምእተዘራረበ ዝዝከር እዩ።