ላዕለዎት ሰብ-መዚ ኤውሮጳዊ ሕብረትን
ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዓበይቲ
ኣህጉራውያን ትካላትን ተሳቲፎም።
እዚ “ድንድል ንሓባራዊ ዕብየት”
ብዝብል ቴማ ብዕድመ መንግስቲ
ኢጣልያ ዝተወደበ ዋዕላ፡ ኣብ መንጎ
ኣፍሪቃን ኢጣልያን ኣብ ዝተፈላለየ
ጽላታት፡ ብቐንዱ ድማ ኣብ ቁጠባን
ጥሕተ-ቅርጽን፣ ውሕስነት መግቢ፣
ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ጸዓት፣ ሕርሻ፣ ሞያዊ
ስልጠናታትን ባህልን ድልዱል ማዕርነታዊ
ምትሕግጋዝ ንምምዕባል ዝዓለመ እዩ።
ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኢጣልያ ሶርጆ
ማታረላ ብ28 ጥሪ ምሸት ንመራሕቲ
ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ኣብ
ዝገበሮ ናይ ድራር እንግዶት፡ ኣብ
ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ መንጎ ኢጣልያን
ኣፍሪቃን ብደረጃ ሚኒስተራት ክካየድ
ዝጸንሐ ርክባትን ምይይጥን – ናብ’ዚ ዋዕላ
እዚ ከምዝመርሐ፣ ውዱብን ድልዱልን
ዝምድናታት ንምምዕባል ከምዝሓገዘ፣
ተሳታፍነት ብርክት ዝበሉ መራሕቲ
ኣብ’ዚ ዋዕላ ድማ – ናቱ መርኣያ
ከምዝዀነ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ዋዕላ
መራሕቲ ኣፍሪቃን ኢጣልያን ንምስታፍ፡
ብ28 ጥሪ ኣብ ሰዓታት ንግሆ እዩ ገይሹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን
ሳልሕን ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን
ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለን፡ ምስ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሓቢሮም
ተጓዒዞም ኣለዉ።