ሃፋ ማይ ዘለዋ ፕላኔት ተዳህሲሳ

ክኢላታት ስነ-ጠፈር ናሳ፡ ካብ መሬት 97 ዓመታት ብርሃን ርሒቓ ኣብ
እትርከብ ንእሽተይ ፕላኔት፡ ሃፋ ማይ
ከምዝዳህሰሱ ሓቢሮም።
እዛ ኣብ 2017 ብቴለስኮፕ መደበር
ምርምር ጠፈር ኣመሪካ – ናሳ
ዝተዳህሰሰት ፕላኔት፡ ካብ’ተን ቅድሚ
ሕጂ ኣብ ህዋአን ሃፋ ማይ ዝተራእየለን
ፕላኔታት ዝንኣሰት ኮይና፡ GJ 9827d
ዝብል ስም ከኣ ተዋሂብዋ ይርከብ። እዛ
ኣብ ጭፍራ ከዋኽብቲ ‘ዓሳ’ ተደኲና
እትርከብ ፕላኔት፡ ንመጀመርያ እዋን
ኣብ ከዋኽብቲ ዑደት ዘካይዳ ፕላኔታት
ማይ ክህልወን ተኽእሎ ከምዘሎ
ዘረጋገጸት እንኮ ፕላኔት ኮይና ተረኺባ
ኣላ። እዚ ርኽበት እዚ፡ ንመሬት ብዕብየት ጥራይ ዘይኮና፡ ብዝውንንኦ
ባህሪ ዝመሳሰላ ፕላኔታት ከምዘለዋ
ዝእምት ርኽበት ምዃኑ እቶም
ክኢላታት ይጠቕሱ።
ዝበዝሐ ስፍሓት እዛ ፕላኔት ብማይ
ድዩ ተሸፊኑ ዝርከብ ዋላስ ኣብ ሰማያታ
ጥራይ እዩ ሃፋ ማይ ዝርከብ ግን ብርጉጽ
ኣይተፈልጠን ዘሎ። ይኹን’ምበር እዛ
ካብ መሬት ብክልተ ዕጽፊ እትዓቢ
425 ዲግሪ-ሰንትግረይድ ዝበጽሕ ዓቐን
ሙቐት ዘለዋ ፕላኔት፡ ሰብ ክነብረላ
ምችእቲ ከምዘይኮነት እዩ ዝሕበር።
ፕላኔት GJ 9827d ኣብ ነፍሲ ወከፍ
ሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ዙርያ እታ
ብርሃን እትህባ ኮኾብ ዑደት እናካየደት
ከላ እያ ኣቓልቦ እዞም ክኢላታት
ስነ-ጠፈር ዝሰሓበት። እዛ ሃፋ ማይ
ተረኺብዋ ዘሎ ፕላኔት፡ ካልኦት ኣብ
መሬት ዝርከቡ ንምንባር ወዲ-ሰብ
ሓገዝቲ ዝኾኑ ባእታታት ክርከባ እውን
ተስፋ ከምዘሎ፡ ኣብ መወዳእታ እቶም
ኣብ መደበር ስነ-ጠፈር ኣመሪካ ዝርከቡ
ክኢላታት ገሊጾም።