ሕማቕ እዋን መተዓዛዘቢ! (ብ ጓል ፈዳይን ሻዕቢያ) –

❏ ሕማቕ እዋን መተዓዛዘቢ! (ብ ጓል ፈዳይን ሻዕቢያ) –
ኣድያም ሓፍትናን ካልኦት ኣሕዋትናን ካብ’ቲ ተኣሲሮሙሉ ዝጸንሑ ቦታ ተለቒቖም ኣለዉ።
ገበን ስለዘይፈጸሙ ዝኾነ ክሲ ኣይቀረበሎምን። ኪዱ ንገዛኹም ጥራይ ተባሂሎም።
መቸም ሕማቅ እዋን መተዓዛዘቢ እዩ። ብዙሓት ተጋሩን ገለ ዓያሹ ደቂ ሃገርን
ብኣድያምን ብካልኦት ኣሕዋትና ምእሳር፣ ሓጎሶም ምጻር ስኢኖም፣ ንዝተዛረብዎን ንዝጸሓፍዎን
ንታሪኽ ተሰኒዱ ኣሎ። እቲ ቅዱስ መጽሓፍ፣ ‘ብመከራ ካልኦት ኣይትተሓጎሱ እዩ’ ዝብል።
ብመከራ ናይ ካልኦት ዝሕጎስ ዓሻ ጥራይ እዩ።
ከም ወዮ ለባማት ወለድና ዝብልዎ፣ ‘ሕማቕ
እዋን ንኽቐትል ዘይኮነ ንኸተዓዛዝብ እዩ’ ዝመጽእ።
“ፈታዊን ጸላኢን ንኽትፈልጥ ንእሽቶ ዉራይ ግበር” እዉን ይበሃል እዩ።
ብሓቂ ብዙሕ ተዓዚብና! ኣድያመይ፣ እንቋዕ ምስ እትፈትዉዮም ስድራኺ ጸንበረኪ።
ሓደ መዓልቲ፣ ነዚ ዝሓለፍክዮ ናይ ሂወት ተሞክሮ ብመልክዕ ፊልም ኣዳሊኺ ንኸትርእይና ዕድመን ጥዕናን ይሃብኪ።
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ እዉን ንስለ’ቲ ዝገበርኩሞ ጻዕሪ ሞሳን ምስጋናን ይግበኣኩም እዩ። ሰላም ወ’ሰናይ!

❏ ሕማቕ እዋን መተዓዛዘቢ!

(ብ ጓል ፈዳይን ሻዕቢያ) – ኣድያም ሓፍትናን ካልኦት ኣሕዋትናን ካብ’ቲ ተኣሲሮሙሉ ዝጸንሑ ቦታ ተለቒቖም ኣለዉ። ገበን ስለዘይፈጸሙ ዝኾነ ክሲ ኣይቀረበሎምን። ኪዱ ንገዛኹም ጥራይ ተባሂሎም። መቸም ሕማቅ እዋን… pic.twitter.com/n2Z7pq0Tzf

— ⓉⓃ (@tesfanews) February 6, 2024