“ሚኒስተር ምክልካል ኢጣሊያ – ኤርትራ
ንምውሓስ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ንትጻዎቶ
ዘላ ተራ ክንድግፍ ድልዋት ኢና ኢሉ”
*************************
ኩቡር ፕረዚደት ኢሰያስ ኣፍወርቂ መቀጸልታ ምስ ላዕለዎት
ሰበ ስልጣን ኢጣሊያ ኣብ ማዕርነትን ምክብባርን መሰረት
ዝገበረ ጽምዶን ሽርክነት ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ርክብ ምስ ሚኒስተር ምክልካ ኢጣሊያ ጓይዶ ክሮሴቶ ተራኪቡ
ኣብ ዘካየዶ ዓሙቅ ዘተ –
ሚኒስተር ምክልኻል ኢጣልያ ጓይዶ ክሮሴቶ ኢጣልያ፡ ኤርትራ ንምውሓስ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ንእትጻወቶ ተራ ንምድጋፍ ድልውነቱ ንኩቡር ፕረዚደት ኢሰያስ ገሊጹሉ።
ኤርትራ ፥ ብመሪሒት ኩቡር ፕረዚደት ኢሰያስ ኣፍወርቂ
ብደረጃ ኣህጉር ኣፍሪቃን ዓለምናን ዓበይቲ ዲፕሎማሲያዊ
ዓወታትን ከስጋስን ተመዝግብ ምህላዋ ይፍለጥ።