ኣገባብ ኣመጋግባና፡ ክብርታትን ባህልን እነላልየሉ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሃገርና፡ ቅድምን ድሕሪን መኣዲ ምምጋብና፡ እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ኢድ ከሕጽብ ክንርኢ ልሙድ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ዓበይቲ ዘለና ኣኽብሮት የንጸባርቕ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ መንጎ መኣዲ ዘይምትንሳእ፡ ዝቐረብካዮ መግቢ ብግቡእ ምውዳእ ወዘተ፡ ገለ ካብ’ቲ መኣዲ ክቡር ምዃኑ ዝገልጽ ክብርታትና እዩ። ኣብ ዓለም ዝተፈላለየ ስርዓተ ኣመጋግባ ከም ዘሎ ፍሉጥ ኰይኑ፡ ነዘን ስዒብና እንጠቕሰን ዘይልሙድ ኣገባብ ኣመጋግባ ዝጥቀማ ሃገራት እስከ ንርአ፦ ድምጺ ናይ ምዅምሳዕ እናኣስማዕካ ምብላዕኣብ ሃገረ ጃፓን፡ እናተመገብካ ዝተፈላለየ ዓው ዝበለ ድምጺ ናይ ምዅምሳዕ ምዝውታር ልሙድ እዩ። እዚ፡ ነቲ መግቢ ተስተማቕሮ ከም ዘለኻን ከም ዝፈተኻዮን ዝሕብር መግለጺ ምዃኑ ይእመነሉ። ብዘይ ተረፍ መግቢ፡ መኣዲ ዘይምምላስ ዝበዝሐ ግዜ ንዝተመገብናሉ ብያቲ ብዘይ ተረፍ መኣዲ ምስ እንመልሶ፡ ነቲ መግቢ ከም ዝፈተናዮን ዝጸገብናን’ዩ ዝሕሰብ። ኣብ ሃገረ ቻይና ግን፡ ብኣንጻር’ዚ እዩ ዝጥመት። ሓደ ሰብ ተመጊቡ ተረፍ ከይኣትረፈ ጥራዩ ብያቲ እንተ መሊሱ፡ ኣዝዩ ጠምዩ ከም ዘሎን ክውስኽ እውን ደልዩ ምህላዉን ዝሕብር ምልክት ምዃኑ ይንገር። ፋርኬታ ዘይምጥቃም ኣብ ሃገረ ታይላንድ ብፋርኬታ ምምጋብ ከም ዘይእሩም ኣገባብ ኣመጋግባ እዩ ዝሕሰብ። እቲ ምኽንያት ድማ ነቲ ዝተቐረበ መግቢ ከም ምንእኣስ ኰይኑ ስለዝውሰድ እዩ። ብኢድካ ምብላዕ ጣዕሚ ናይ መግቢ ይውስኽ ኣብ ሃገረ ህንዲ ማንካ ይኹን ፋርኬታ ከይተጠቐምካ ብኢድካ ምብላዕ፡ ነቲ መግቢ ዝያዳ ጣዕሚ ከም ዝህቦ እዮም ዝገልጹ።